ምልክታ ዋጋ መቅረቢያፕሮፎርማ/ 06
ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ስፔር ፓርት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ክዝእ ይደሊ:: በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልነጋዲ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ::
መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ።
3. ናይ ግብሪ ክፈላይ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም::
4. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል::
5. ምሰ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሽም፣ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም ማህተምን 'ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፓሰታ ካብ ዕለት 25/03/2017ዓ/ም ክሳብ 27/03/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4.00 ክትቕርቡ ክትወዳደሩ ትክእሉ::
6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 27/03/2017ዓ/ም ሰዓት 4.00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4.30 ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይከፈት
7. ብእቲ ዝቐርብ ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን አለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን ::
8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን ::
9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቸይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን ::
10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ሰራሕ
አረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::
11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ሰራሕ ብስፈሰፈኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተሰማሚዔ ኣለኩ ::
12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጅሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኽውን::
13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
14. ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚን መፅዓኒ መራገፊ ወሲዶም ፎቶኮፒ ኣራቢሖም ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፡፡
15. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::
16. እቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትግበሮ::
17. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና መእካ ምውሳድ ይከኣል::
18. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ ---- 03 44-41 65 70 ሓዱሽ ህንፃ ፊትንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ
መመለስ