ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቀሑት መሳርሒ ሕትመት: ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ማለት እዉን ስፔር ፓርት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉን

4 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉን

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይዚ ዓመት ግበሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈልክምዎ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

6 መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን አድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ አብ ከምፕሊክስ ህንፃ ዝርከብ ኤጀንሲ ምምሕደር መካየዲ ትግበራ መሬት ክልል ትግራይ ዳይሬክትሪት ዕድጋ ፋይናስ ምምሕዳር ንብረትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 19/3/2017 ዓም ክሳብ 3/4/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ዋጋ መሊእኩም ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣታዊ ክትገብሩ አለኩም

8 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ንሕትመት : 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ንስፔር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተዘይኮይኑ ግን ብባንኪ ቁፅሪ ባንኪ ኢትዩጰያ 1000539100053 አታዊ ክገብር ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት ክሳብ 3/4/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓተ 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ መሬት ማዕድንን ክልል ትግራይ ዕድጋ ፋይናስ ምምሕዳር ንብረትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካብም ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

10 ጨረታ ሰዓርቲ ምኮንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ሰለሰተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲታት ስራሕ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ አስፒኦ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል ንአፈፃፅማ ዉዕሊ ወሕስና የትሕዝ

11 ብፅሬት ነቲ ንብረታ ብፅሬት አብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ክተረክቡ አለኩም

12 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብል ናይ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማ ክህልዎ ይግባእ

11 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342405423

መመለስ
የጨረታ ምድብ