ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ምልሻ ክልል ትግራይ ናይ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ዝርዝሩ ከም ዝስዕብ ይኸውን፤-
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይ 2016/2017 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ዘይምለስ ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርብ
2. Tin Number ዘለዎ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ዘይምልስ ፎቶ ኮፒ ክቕርብ ዝኽእል
3. ቫት ዝተመዝገበን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርብ
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢን ቦንድ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ 10000 ብር/ ዓሰርተ ሽሕ ብር/ ብሽም ቤት ፅሕፈት ምልሻ ክልል ትግራይ ክትሕዝ ዝኽእል
5. ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ደኩመንት ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ክልል ትግራይ ኣብ ዳ ተክለሃይማኖት ቤተክርስትያን ፊት ንፊት /ኮሚሳራት/ ቢሮ ቑፅሪ 25 ካብ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ዘይምለስ ብር 100 / ሓደ ሚኢቲ ብር/ ኸፊሉ ይወስድ
6. ተጫረቲ በቲ ዝወፀ Specification መሰረት ናይ ሓደ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኦርጅናልን ኮፕን ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ መሊኡ የቕርብ
7. ኣሸናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ ንዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕለ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ኣምፂኡ ክረክብ ዝኽእል
8. መኽበሪ ውዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ቕድሚ ውዕሊ ምእሳሩ ከትሕዝ ዝእልን ውዕሊ ዓሲሩ ንብረት ኣታዊ ዝገብር
9. ቢሮ ካብ ዝፍፅሞ ዕድጊት 20% ምውሳኽን ምቕናስን መሊኡ ምስራዝን ዝኽእል ምዃኑ
10. ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝፈተነ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ምግባርን ናይ ጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ጨረታ ከምዘይሳተፍ ብሕጊ ተሓታቲ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ
11. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ዕለት ካብ 02/03/2017 ዓ.ም ክሳብ 17/03/2017 ዓም ይኸውን
12. ጨረታ ዝዕሸገለ ዕለት 17/03/2017 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ተዓሸጉ ሰዓት 4:30 ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሎ ኣብ ዝተረኸበለ ይኸፈት
13. ብመምርሒ መሰረት ናይ ጥቅምተ ወርሒ ቫት ዲክለሬሽን ክትርብ ዝኽእል Vat 15% ዊዝ ሆልድ 2% ክኸፍል ምዃኑ ነፍልጥ፡፡
14. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፈል ይኹን ብሙሉ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ 0929827411 /0914000654 ምሕታት ይከኣል እዩ
መመለስ