ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ናይ መኪና ጎማን ካላማደሪያን ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

1 በቲ ዝተገለፀ ዘፈር ቲን ናምብር ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ዘለኩም

2 ናይ 2016 ዓም ግበሪ ዝከፈልኩም ካርዲ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ነሐሰ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረደእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

4 ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መከበሪ ዝኮን 10000 ቅርሺ ብጥር ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተመስከረሉ ስፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ ቼክ ክተትሕዙ እትክእሉ

5 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራቲ ናይ መከበሪ ጨረታ ቢድበንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ዝምለሰሉ ይከዉን

6 መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬትን :  ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን : ናይ መኪና ጎማን ካላማደሪያን ካብ 14/2/2017 ዓም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ኣብናይ ባዕልና ዝተዳለወ ሰነድ ብምምላእ ዋና ቅዳሕን ነኒበይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይርሉ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሐዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 03 ሳንዱቅ ዝኣትዉ ይከዉን

7 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 6:00 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ይከዉን

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዝህልዉ ይምረፅ እንተዘይሃልዩም ግና ዘይተከፈተ ዝምለሰ ጨረታ ወይድማ ፖስታ  ክህልዉ ኣይክእልን

9 ሰዓራያ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብኣካል መፂኡ ዉዕሊ ይኣስር

10 ተወዳደርቲ ተወሳኪ ድጋፍ ሰነድ ትብልዎ ምትሕሓዝ ይከኣል እዩ

11 ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ደኩመንት ወይ ድማ ሰነድ ዘይምለሰ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሐዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 3 ምዉሳድ ይከኣል

12 ጨረታ ዝሰዓረ ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከተሕዝ ዝክእል

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት አብ እዋኑ ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብነብስወከፈ መዓልቲ 1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣታዊ ይገብር

14 ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፈቀድን ማለት እዉን ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መከበሪ ናብ  መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን

15 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን ኣ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሐዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 03 ኣታዊ ይገብር

16 ሰነድ ጨረታ ካብናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን

17 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

18 ብመምርሒ መሰረት ንእንዕደጎ ኣትም ብኣይተም 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

መመለስ
የጨረታ ምድብ