ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት 2017ዓ/ም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ፅሬት ኣቁሑትን: ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑትን፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደርያን ክዕድግ ይደሊ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት 2017ዓ/ም

1. ናይ ፅሕፈት መሳርሕን

2. ናይ ፅሬት ኣቁሑ

3. ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑትን

4. ናይ መኪና ጎማን ካላመደርያን ቁፅሪክ ስዕን ብምምር ሓ50631 ዕለት 14/02/2017 ዓም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: ስለዚ ክትረቱ እትደልዩ ተረትቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቑሓታት ተጫረቲ

* በቲ ዝተጠቐሰ ዘርፊ ቲን ናምበር፣ ንግዲ ፍቓድ መቅራባይነት ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ዘለኩም፤

* ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም፡፡

* ቲን ካርድ መረዳእታ ዘለኩም፡፡

* ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ከምኡ ድማ ናይ ወርሒ ነሓሰዲክለር ዝገበርኩም ።

* ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 10000( ዓሰርተ ሽሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ CPO ወይ ሰርቲፋይድ ዝኾነ ቼክ ከትሕዝ ዝኸእል፡፡

* እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ፡፡

* ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ፅሬት ኣቁሑትን: ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑትን፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደርያን ካብ 14/02/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺግኩም ፈርማን ማህተምን ተገይሩሉ ኣብ ቤት ዕት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ቁፅሪ 03ክስ ዕደጋን ንብረትን ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ይኣቱ፡፡

* ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፅሬት ኣቁሑትን ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑ፣ናይ መኪና ጎማን ካላመደርያን እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/02/2017ዓ/ም ቀትሪ ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ ስዓት 8፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ከስዕደጋን ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 03 ይክፈት።

* ተጫራታይ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተዝህልዉ ይምረፅ/እንተዘይሃልዮም ግና ዘይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ጨረታ ደክሞት አይሀልን።

* ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል መፅዩ ውዕሊ

ይኣስር ።

* ተወዳደርቲ ተወሳኪ ደገፍቲ ደኩሜንት እትብልዎ ምትሕሓዝ ይከኣል እዩ ።

* ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 200 ብር(ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ም/ር ፋይናንስንከተማ ሓዉዜን ከስዕንብ ምም/ርን ቁፅሪ 03ክስ ዕደጋን ንብረትን ምዉሳድ ይከኣል

* ጨረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ውዕሊ ክትሕዝ ዝኽእል

ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት ኣብ እዋኑ ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣታዊ ይገብር።

* ተረቲ ካብ ዝተመልእ ዝርዝር ዋጋ ድምር ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምዃኑ ኣሚኖም ክዋዳደሩ ይግባእ ።

* ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩሜንት ሽሞም ሽም ትካሎም ፊርመኦም ማህተምን ክዓርፍ ኣለዎ። እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መለክዑ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር ።

* ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን " ማለት ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን ።

* ሰዓራይ ንዝሰዓሮንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ብምሽፋን ኣብ ቤት ፅሕፈት ም/ር ፋይናንስ ከተማ ሓዘን ቢሮ ቁፅሪ 03ከስ ዕደጋን ንብረትን ኣጋዕዙ ዘቅርብ።

* ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን ።

* ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ ንብረት መጠን ኣይተም ብኣይተም ‰ ክስን ወይ ክቅንስ ንክእል ኢና።

* ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ

በቢዘርፉ ዘሎ ንብረታት ዝሰዓረ ነጋዳይ ኣጋዓዕዙ ናብ ቤት ፅሕፈት ም/ር ፋይናንስ ከተማ ሓዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 03ኣጋዕዙ ምስ ኣምፀአ እቲ ንብረት ፅሕፈት መሳርሕን ፅሬት ኣቁሑትን፣ ናይ መኪና እግሪ ጎማን ካላመደርያን ብሴክተራት ብተጠቀምቲ ቤት ፅሕፈታት ምስ ኣረጋግፅዎ ከሙኡ እዉን ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑትን ብበዓል ሞያ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይኹን ኢለ ምስ ፀሓፈልናን ክፍሊት ንከፍል ምካና ነፍልጥ።

መመለስ
የጨረታ ምድብ