ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ማለት እውን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፡ ናይ መኪና ጎማን ስፔር ፓርትን ዝተፈላለዩ ናይ ፈርንቸር ኣቁሑትን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለይ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
  • የተለቀቀበት ቀን: ረቡዕ ጥቅምቲ 6, 2017 (21 ቀናቶች)
  • መዝግያ ቀን: ዓርቢ ጥቅምቲ 15, 2017 03:30 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ዓርቢ ጥቅምቲ 15, 2017 04:00 ጥዋት
  • ካልኦት ዝሽወጡ/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝውገድ ንብረት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረት ዝተፈላለዩ ዘገልገለ ንብረታት ማለት እውን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፡ ናይ መኪና ጎማን ስፔር ፓርትን ዝተፈላለዩ ናይ ፈርንቸር ኣቁሑትን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለይ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ሮቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ እንትንዕድም

1. ተጫረቲ እቲ ዝውገድ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምርኣይ ዝኸኣል ምዃኑ፡፡

2. ተጫረቲ ናይቲ ዝውገድ ንብረት ዋጋ ኣብ ሰነድ ጨረታ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይ ተወዳዳራይ ሽም፣ ክታምን ኣድራሻን ከስፍሩ ኣለዎም፡፡

3. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝውገድ ንብረት ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ጉጅለ ንብረት ምምሕዳርን ምልኸታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምውሳድ ይካኣል፡፡

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ /ሲፒኦ/ ወይ ብዝተፈለጠ ባንክ ዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብር 2800 ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን / ከትሕዝ ዝኽእልትኽእል፡፡

5. እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 05/02/2017 ዓ/ም ክሳብ 14/02/2017 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፅንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 15/02/2017 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 15/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ስዓት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ጉጅለ ንብረት ምምሕዳር ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዝሽፈት ኮይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይክልከልን፡፡

6. ተጫረታይ ስዓራይ ምኳኑ ምስ ተነፀረ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይቲ ዝዉገድ ንብረት ዋጋ ኣታዊ ብምግባር እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ሚዛንን ኣቅሪቡ ክወስድ ዝኸኣል፡፡

7. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8. ኣብ ወረታ ሰነድ ዝኮነ ይኩን ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

9. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 40 24 20 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይኸኣል፡፡

መመለስ
የጨረታ ምድብ