ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ነውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል: ምሸላን ጣፍን ውሱን ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።
  • የተለቀቀበት ቀን: ሓሙስ መስከረም 30, 2017 (ከ 1 ወር)
  • መዝግያ ቀን: ረቡዕ ጥቅምቲ 6, 2017 04:00 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:100,000
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:150.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ረቡዕ ጥቅምቲ 6, 2017 04:30 ጥዋት
  • ኣቅርቦት ምግቢ /
  • Print
  • Pdf

ንካልኣይ ጊዜ ዝወፀ ውሱን ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ነውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል: ምሸላን ጣፍን ውሱን ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዪ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ  ይግባእ።

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞም'ን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ት/ስ ትግራይ መለስ | ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 30/ 01/2017ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 06/02/2017ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

6) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 06/02/2017 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ 4፡00 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 4:30 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ)ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

8) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150 (ሓደ ሚኢቲን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

10) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

11) ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ

ይግባእ።

12) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

መመለስ
የጨረታ ምድብ