ምልክታ ፕሮፎርማ
ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ብናይ ከ ዋሽ ፕሮጅጅክት ዝዕደግ ናይ ጽሕፈት መሳርሒ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዎ ንብረታት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።
ታ.ቁ | ናይ ኣቕሓ ዝርዝር (Description) | መፍለዪ/specification/ | መዐቀኒ (Unit) | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠ/ዋጋ |
---|---|---|---|---|---|---|
1 | ወረቀት 80 ግራም | A4 80 ግራም | ዴስጣ | 20 | ||
2 | ሃርድ ከቨር ፕላስቲክ | ኦርጅናል | ደስጣ | 01 | ||
3 | ሰማያዊ እስክርቢቶ | ብሳምፕል | ቁፅሪ | 500 | ||
4 | ፋይል ቦክስ በዓል ብረት | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 100 | ||
5 | ካኪ ፖስታ ንእሽተይ | ብሳምፕል | ቁፅሪ | 200 | ||
6 | ፕሪንተር ቀለም | HP teaser MFP 135W | ቁፅሪ | 30 | ||
7 | ማስታወሻ ማእከላይ | ኦርጅናል | ቁፅሪ | 200 | ||
8 | ፕላስተር | ባይንዲንግ | ቁፅሪ | 03 |
ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሓታት
1. ተወዳደርቲ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን /TIN/ ፣ መቅረባይ ሰርቲፊኬት፣ ምስቲ
ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡እቲ ዝቀርብ ዶክመንት ዝረአ ክከውን ኣለዎ ዘይረአ እንተኮይኑ ናብ ውድድር ኣይቀርብን።
2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፊርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም፡፡
3. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት በቲ ዘውፃናዮ ስፐስፊኬሽን መሰረት ብናይ ባዕሉመጋዓዚ ናብ ቢሮና ስቶር አታዊ ዝገብር ይከውን ።
5. ተወዳደርቲ እትጫረትሉ ሰነድ ካብ ቢሮና ብዝወሰድክምዎ ቅጥዒ መሊእኹም ክተቕርቡ ይግባእ።እዚ ፕሮፎርማ አብ መንጎና ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል።
6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 29/01/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ግዘ ምቕራብ ይኸእሉ።
7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 04/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:10 ኣብ ነባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 13 ዝርኸብ ይኽፈት፡፡
8. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡
9. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0914720632/0914032454 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ።
መመለስ