ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ተምሃሮን ሱፐርፓይዘርን ቦርሳ (Student & Supervisor Bag) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::
  • የተለቀቀበት ቀን: ረቡዕ መስከረም 8, 2017 (13 ቀናቶች)
  • መዝግያ ቀን: ሶኒ መስከረም 20, 2017 08:30 ከሰአት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሶኒ መስከረም 20, 2017 09:00 ከሰአት
  • መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/
  • Print
  • Pdf

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ተምሃሮን ሱፐርፓይዘርን ቦርሳ (Student & Supervisor Bag) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ :: ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 5,000.00 ዘትሕዙ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝኸእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳኸን ይኽእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 20/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!

መመለስ
የጨረታ ምድብ