ትካልና ደጀና ኬሚካል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ዝተፈላለያ ዓቕምን ዓቐን (Specification) ዘለወን 13 ላፕ ቶፕ፣ 4 ዴስክ ቶፕን 1 ፕሪንተርን ክዕድግ ስለዝደለ ብቕዓት ዘለኩም መቕረብትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተጫረቱ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም::

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ደጀና ኬሚካል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ዝተፈላለያ ዓቕምን ዓቐን (Specification) ዘለወን 13 ላፕ ቶፕ፣ 4 ዴስክ ቶፕን 1 ፕሪንተርን ክዕድግ ስለዝደለ ብቕዓት ዘለኩም መቕረብትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተጫረቱ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም::

ናይ ጨረታ መዐቀኒ

1. ተጫረቲ ተዛማዲ ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓዳሰ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ቫት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኸእልን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዪ ቁፅርን ኦርጅናልን ናይ'ቲ ዝተጠቐሰ ዶኩመንት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ጨረታ ዝርዝር (ሰነድ) ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ትእምት ጉና ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 401 መምርሒ ሎጂስቲክስ ብር 1,000.0 (ብር ሓደ ሽሕ) ብምኸፋል ምውሳድ ይኸእሉ::

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/12/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 21/01/2017 ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት ልክዕ 11:0 ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታው ይግባእ::

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሲፒኦ ብር 100,000.00 (ሚኢቲ ሽሕ ብር) ብዝተዓሸ ፖስታ ምስ ናይ ጨረታ ዶክመንት ብምትሕሓዝ ከእትዉ ኣለዎም:: ብፖስታ ዘይተዓሸ ሲፒኦ ተቐባልነት የብሉን::

4. ተጫረቲ ቴክኒካል ሰነድን ፋይናንሻል ሰነድን ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሽጎም ከቕርበ ይግባ::

5. እዚ ጨረታ ዕለት 21/01/2017 ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት ልክዕ 11:00 ሰዓት ተዓዕዩ ዕለት 22/01/2017 ቕድሚ ሰዓት ልክዕ 4:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣ ዝተረኸብሉ ካብ ትእምት ጉና ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 401 ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራ ̇ ዝኸፈት እንትኾን እቲ መኽፈቲ መዓልቲ ብዓል እንተኾይኑ ኣብቲ ዝቕፅል መዓል ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝኸፈት እንትኾን ሰነዶም ዝተማልአ እንተኾይኑ ተጫረ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኸፈት ይኸውን::

6. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዘእትውዎ ዋጋ ናይ ሓደ ላፕ ቶፕ፣ፕሪንተር ወይከ ዴስክ ቶፕ ነፀላ ዋጋ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ::

7. ናይ'ቲ ዘቕርቦ ንብረት ዝተሰርሐሉ ቦታ ዘመላኽት (Certificate of origin) ናይ ምቕራ ግዴታ ኣለዎ::

8. እቲ ዘእትውዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምኻኑ ብግልፂ ክጥቀስ ኣለዎ እንድሕር ዘይተጠቒሱ ቫት ዝሓወሰ ምኻኑ ተገይሩ ይውሰድ

9. ኣብቲ ጨረታ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ሰዓራይ ምዃኑ ብፅሑፍ ካብ ዝተገለፀለ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ

10. ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ብበዓል ሞያ ብምፍታሽን ዘድሊ ኣንቲ ቫይረስን ሶፍትዌራትን ብምፅዓን ናብ ትካልና መኸዝን ኣታዊ ይገብር እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ብምግባር ኩባንያና ካልእ ኣማራፂ ይወስድ::

10. እቲ ተጫራቲ ዘቕርቦ ንብረት በቲ ትካል ዘቐመጦ መዓቀኒ (Spcification) ዘየማልእ እንተኾይኑ reject ኾይኑ ናብ ብዓል ንብረት ይምለስ

11. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ (Price vality date) ጨረታ ካብ ዝተኸፈተለ ግዘ ጀሚሩ ን 15

መዓልታት ዝፀንሕ ይኸውን

12. ተጫረቲ ነቲ ዘቕርብዎ ንብረት ውሕስና ግዘ (Warranty Period) ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክኸውን ኣለዎ

13. ተጫረቲ ነቲ ናይ ውሕስና ግዘ ሓደ ዓመት ዝፀንሕ ናይቲ ዘቕርቦ ዋጋ 10% ካብ ባንኪ performance guarantee ከቕርብ ይግባእ

14. ክፍሊት ብዝምልከት ተጫረቲ ንብረት ጠቕሊሎም ካብ ዘእተውሉ ዕለት ጀሚሩ ትካል ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ክፍሊት ይፍፅም

15. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካልእ ተጫራቲ ዋጋ ተመስሪቶም ዋጋ ከእትዉ ኣይፍቀድን ብተወሳኺ'ውን እቲ ዘእተውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎን ብእርሳስ እንተተፃሒፉን ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ::

16. ተጫረቲ እዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንኻልእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይኽእሉን::

17. ኩባንያና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ::

ኣድራሻ

➢ ትእምት ጉና ህንፃ ቢሮ ቑፅሪ 401 መምርሒ ሎጂስቲክስ

➢ ስልኪ ቑፅሪ +251914708314

መመለስ
የጨረታ ምድብ