ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ኣፅቢ ናይ መንግስቲ ሞ/ሳይክል ፅገና በዓል ሙያ ብግልፂ ጭረታ ኣወዳዲሩ ኣብ ባጀት ዓመት 2017ዓ/ም ከፀግን ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ሰብ ሙያ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::
  • የተለቀቀበት ቀን: ሰሉስ ነሓሰ 28, 2016 (17 ቀናቶች)
  • መዝግያ ቀን: ሶኒ መስከረም 6, 2017 05:00 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሶኒ መስከረም 6, 2017 05:30 ጥዋት
  • ፅገና ሞተርሳይክል/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ጨረታ

ንተጫረቲ ኩሉ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ኣፅቢ ናይ መንግስቲ ሞ/ሳይክል ፅገና በዓል ሙያ ብግልፂ ጭረታ ኣወዳዲሩ ኣብ ባጀት ዓመት 2017ዓ/ም ከፀግን ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ሰብ ሙያ ዝኮንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ነጥብታት

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ÷ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ዘለኩም፣ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ዘቅርቡን

2. ተጫረታይ ናይ ባዕሉ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክከውን ይግባእ

3. ተጫራታይ ሞተር ሳይክል ኣብ ዝተበላሸወትሉ ቦታ ከይዱ ክፅግንን ክፍትሽን ዝክእል

4. ሰነድ ዝሽወጠሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ኣፅቢ ቁፅሪ 4 ኮይኑ ካብ ዕለት 29/12/2016ዓ/ም ክሳብ 06/01/2017 ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ንሰነድ መዐደጊ 50 ብር ከፊሎም ክወስዱ ይክእሉ

5. ጨረታ ዕለት 06/01/2017ዓ/ም _ ሰዓት 5፡00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ _ ዕለት 06/01/2017ዓ/ም ሰዓት 5፡30 ይክፈት

6. ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ሳጥን ምክፋቱ ኣይጫረትን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን

7. መክበሪ ጨረታ 4000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

8. እቲ ውድድር ኣሸናፊ ዝከውን ብጠቅላላ ድምር ዝተሓተ ዝመልአ ኣሸናፊ ይከውን

9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

መመለስ
የጨረታ ምድብ