ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ መኪና ስፔርን ጎማን መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።
  • የተለቀቀበት ቀን: ሓሙስ ጉንበት 1, 2016 ( ከ 8 ወር)
  • መዝግያ ቀን: ሶኒ ጉንበት 12, 2016 03:30 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:5,000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሶኒ ጉንበት 12, 2016 04:00 ጥዋት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ መኪና ስፔርን ጎማን መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኸእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 100 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት 01/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 12/09/2016 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኽፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኽፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን

ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኸን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

ምስ ሰላምታ

መመለስ
የጨረታ ምድብ