ምልክታ ጨረታ ዕድጊት እክልን ጥረምረን
መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሀዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኮሚቴ ህፁዕ ሓገዝ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናት ሓገዝ ዝውዕል ማሽላ (ዕፉን) 1ይ ደረጃ ንምግቢ ናይ እንጀራ ዕሩይ ዓተር ክክዕን ዘይቲ ብልዕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ነዞም ቐፂሎም ዘለው ረቛሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ እንዳዓደምና ዋጋ እቲ እኽልን ዘይቲን ኣብዚ ቅጥዒ መሊኢኹም ክተቕርቡ ነተሓሳሰብ።
ተ/ቑ | ዓይነት ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ | መብርሂ |
---|---|---|---|---|---|---|
1 | ማሽላ ባሕሪ | ኩንታል | 2380 | |||
2 | ዓተር ክክዕ | ኩንታል | 238 | |||
3 | ዘይቲ ሓፊስ በዓል 20 ሊትሮ | ጀሪካን | 400 |
በዝሒ /መጠን ከም በጀቱ ኣድላነቱ ክውስኸ ኸቅንስ ይክእል እየ።
1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ
2. መለለይ ቀዕሪ ክፍሊክ ግብሪ /in/ ሰርትፍኬት ዘለዎ
3. ተወዳደርቲ ዋጋ መሊኦም ዘምፅእዎ ፕሮፎርማ - ማሕተም ፊርማን ስልኪ ቑፅረን ብምግባር ዝተመልአን ዝተዓሸገን ፖስታ ናብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ጅብሩክ ዘሎ ህንፃ 2ይ ደብሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና የቕርቡ።
4. ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 19/07/2016 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 24/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ተዓዕዩ ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ይኽፈት።
5. ተጫረትቲ ንመኸበሪ ጨረታ ብር 50,000.00 ብሲፒኦ መልክዕ ብሽም እቲ ኮሚቴ የትሕዙ
6. እዚ ኮሚቴ ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።
ብተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ጅብሩክ /ዝርከብ ህንፃ 2ይ ደብሪ ናብ መንበረ ሰላማ _ ኮሚቴ ህፁፅ ሓገዝ ቢሮ ቐሪብኻ ምሕታት ይከኣል ፣ወይ በዚ ስልኪ ቑዕሪ 091473154110924295752፣0914753503 ምድዋል ይኻኣል።
መመለስ