ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ ካብ UIDP በጀት ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት : ዴስክቶፕ ኮምፒተር ምስ ሙሉእ ኣክሰሰሪን : ላፕቶፓትን: ፕሪንተራትን ኢሉዉን ፎቶ ኮፒ ማሽን : እስተሺነሪ : ፕሪንተር ቀለምን : ወረቀት ኮምፒተርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናዉቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልክሙን ናይ 2016 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደስኩምን :  መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለኩም  : ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኪት ዘለኩም  : ናይ 2016 ዓም ቫት ዝተመዝገብክምሉ ሰርተፊኬት መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን ኣፈላላይ እንትህልዉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባለነት ይህልዎ

3 ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ምካኑ ምርዳእ የደሊ

4 ካብ መምል ቅጥዒ ወፃኢ ንዝፃሐፍ ናይ ቫት ወስክ ብቁፅሪ ይኩን ብፊደል ተቀባልነት ይብሉን

5 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድማ ድምሳስ ክህልዎ የብሉን ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ፓራፍ ክግበረሉ አለዎ

6 እቲ ጨረታ ብዛይ ኣግባብ ምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘብፅሕ ምካኑ ንሕብር

7 ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ኮፒ ብምግባር ኦርጅናል ኮፒን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ምልክታ ብምግባር ክቀርብ ዝክእል

8 አብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይከእልን

9 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብስፒኦ 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

10 ዝሰዓረ ተወዳዳሪ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ አታዊ ዝገብር

11 ተጫራታይ ስዒርካ ተባሂሉ ዉፅኢት ካብ ዝተለጠፈሉ ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዐሊ ክኣስር ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 15 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእልን

12 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ተጫረቲ ካብ ዕለት 5/7/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 14/7/2016 ዓም ጀሚርኩም 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ንክትወስዱ ንዕድም

13 እቲ ጨረታ ዕለት 15/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 15/7/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ይክፈት

14 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ንግዲ ፍቃድ : ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ : ቫት ዲክለሪሽንን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ዝተሰርሐ ኣብ ወርሒ ጥሪሒ ዲክለር ዝገበረ ኮፒ ብምግባር አብ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

15 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለየሉ ንዝቀረበ ጠለብ ንብረት በቲ ዝወፀ መረዳእታ ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ መሰረት ብምግባር እዩ

16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 ተጫራታይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ግዚኡ ዘሐለፎን ንብረት እንተዘይኣቅሪቡ ካብቲ ዘይኣቅረቡ ንብረት ንሕድሕድ መዓልቲ ሐደ ሚእታዊ ዝቅፃዕ ምካኑ ነፍልጥ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914776389 / 0995156830

መመለስ
የጨረታ ምድብ