ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣጋኣዚ ዓዲግራት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ :ናይ ተምሃሮ ዴስክን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ : መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ : ወረቀት ምስክር መቅረናይነት ዘለኩምን : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን : በቲ ዝቀረበ መዓቀኒ ረቆሒ መሰረት ንብረት ከቅርብ ዝክእል

2 መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንነብሰወከፍ ሎት ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 50000 / ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ / : ንተምሃሮ ዴስክ 15000/ ዓሰረተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ዘትሕዝ ይከዉን

3 ሰነድ ጨረታ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 2/7/2016 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ከሳብ 16/7/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣጋኣዚ ዓዲግራት ምዉሳድ ይከአል

4 እቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ጨረታ ብክልተ ቅዳሕ ተዳልዩ ክሳብ 16/7/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ንዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

5 ሳነዱቅ ጨረታ 16/7/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ነሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዘይምህላዎም ግን እቲ ጨረታ ነዘይ ምክፋት ግዴታ ኣይከዉንን

7 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ከተማ ዓዲግራት ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ከቅርቡ ይግባእ

8 እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በቲ ጨረታ ኣይግደድን

ንተወሳኪ 0914723151 ይደዉሉ

መተሐሳሳቢ ካብ ቤት ፅሐፈትና ዘይተገዝአ ሰነድ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ምካኑ ብጥብቂ ነፍልጥ

መመለስ
የጨረታ ምድብ