1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም፤
2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይነት ካርድ ዘለኩም፤
3 ናይ ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ዲክለሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሓምለ 2012 ዲክሊሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ፤
4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 25/12/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት11/01/2013 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;
5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/01/2013 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::
6 ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፀ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉእዩ
ብስ/ቁ 09 14 27 94 11 /09 14 11 22 50 ምሕታት ይከአል
መመለስ