የትግራይ እርሻ ምርምር ኢንስቲትዮት

ግሪን ሃውስ ፅገናን ዝርገሐ መስመር ስራሕትን ምግጥጣምን ዝግበረለን ወረዳታት

1 ራማ (Rama Greenhouse Maintenance and installation Work)

2 ማይፀብሪ ( mai-Tsebri greenhouse maintenance and installation work)

3 ሑመራ( Humera Green house Maintenance ans Installation Work)

4 መቐለ ( Mekelle Greenhouse Maintenance and Installation work)

5 መቐለ ሓመድ ላብራቶሪ (Mekelle Soil laboratory greenhouse maintenance and installation work)

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሕታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቀረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ሰነድ ጨረታ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምዝትኸእሉ ነፍልጥ።

1 ቅድሚ ሐዚ  ብግሪን ሃውስ ኮንስትራክሽን ወይም ፅገና ዝሰርሐን ዝፅገንን ምዃኑ መረዳአታ ከቅርብ ዝኸእል፤

2  ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብን ዝኽእልን ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋልኩም ምስክር ወረቀት ኮፒ ክተቅርቡ ትኽእሉ።

3 ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ 30000.00 ( ሳላሳ ሽሕ) ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረገንዘብን ክትሕዙ ይግባእ።

4 ተጫረቲ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክቀርቡ ኣለዎም።

5 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢነቨሎፕ ተዓሺጉ ክቀርብ ዘለዎ እንትኸውን ዋንኡ ( ኦርጅናል) ናይ ቴክኒክን ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ።ናይ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን ዝተመዝገቡ፣ ቃለ መሓለ ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ሲፒኦ ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ክተሓሓዝ ኣለዎ።

6 ሰነድ እቲ ጨረታ ብ ቢሮ ቁፅሪ 09 ዘይምለስ (50.00 ) ሓምሳ ብር ከፊሎም ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይኽእሉ ከምኡውን ተጫረቲ ብዝቀረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፆ ኣለዎም።

7 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃልዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስ.ቁፀሪ 0344-402801 ክሓቱ ይኽእሉ።

8 ጨረታ ኣብ ጨረታ ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 21/03/2011 ክሳብ 08/04/2011 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለት ውን 08/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢንስቲዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ይኽፈት።ይኩን ምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጓገልን።

9 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እየ።

ኣድራሻ - ዒላላ ፈልሲ ጣብያ