የቆላ ተምቤን ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል /sepecification/ ምስራዝ አይከኣልን

2 እቲ ግልፂ ጨረታ ናብ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክህልዎ አለዎ

3 እቲ ግልፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይክፈት በቲ ዝተብሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኪቡ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለዉሉ ዝክፈት ምካኑ

4 ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተፈለጠ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ቆላ ተምቤን ከቅርብ ዝክእል

5 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ካብ ቤት ፅሕፈል ልምዓት እቶትን ምምሕዳ ፋይናንስን ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ

6 ተጫራቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋት መክበሪ ጨረታ ዝከዉን 20000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 13/5/2018 ዓም ከሳብ 28/5/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:30 ኮይኑ ሐደ ኮፒን ሐደ ኦርጀናል ነንበይኑ ዓሺጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

8 እቲ ጨረታ ዕለት 28/05/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይክፈት ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 39 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

9 ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕል ክእሰር ዝክእል

10 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ :ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርዲ/ ዘለዎን : ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ፡ ቫት ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለሬሽን መረዳታ ከቅርብ ዝክእል

11 ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን እዚ ግልፂ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ተወሳኪ ሐበሬታ 0914158967 ወይ 0914214797