1 ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን : ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬትን: ቲን ናምበርን ቫት ሰርተፊኬት ናይ ኩሎም መረዳእታ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ቫት ሪፖርት ዝገበርዎ መረዳእታ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተወዳደርቲ መክበሪ ፐርፎርማ ብር 50000 ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ አለዎ
4 ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመታት ወይድማ ካብ 2011 ዓም ክስብ 2017 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ እንተወሐደ ሐደ ሚልዩን ልዕሊኡን ኮንትራክት ወይ ሳብ ኮንትራክት ወሲዱ ብዉሑዱ ሐዲ ሚልዩን ቅርሽን ልዕሊኡን ዝሰርሐ ምካኑ ግዜያዊ ርክክብ ወይ ናይ መወደእታ ርክክብ ፐይመንት ሰርተፊኬት ዘቅርብን
5 ተወሳኪ እዉን ብፅሬት በቲ ዝተዉሃቦ ዲዛይን ግዜን መሰረት ሰሪሑ ዝወደአ ምካኑ ድጋፍ ደብዳብ ካብቲ ዝሰርሓሉ ትካል ከቅርብ ዝክእል
6 ሰዓራይ ዝኮዉን ተወዳዳራይ ኩሎም ዝተሐተቱ ረቆሒታት ኣማሊኡ ዝተሐተተ ዋጋ ዝአተወ ይከዉን
7 ብዘይ ምንም ቅድመ ክፍሊት ብናይ ባዕሉ ዓቅሚ ክሰርሕ ዝክእልን ናይቲ ዝሰርሖ ስራሕቲ ድማ እናተረጋገፀ ክፍሊት ዝፍፀም ምካኑ
8 ሰዓራይ ተኮናተራይ ምስዓሩ ካብ ዝተረጋገፀሉ ግዜ ጀሚሩ ብ ዉሽጢ 10 ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ብምእሳር ብዘተዉሃቦ ዲዛይንን ሰርተፊኬትን በዉዕሉ መሰረት ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጪ 90 መዓለቲታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል
9 ሰዓራይ ተወዳደሪ ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ መከበሪ ዉዕሊ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ካብቲ ጠቅላላ ዘሸነፎ 10 ሚእታዊ ከቅርብ ዝክእል
10 ኩሎም ተወዳደርቲ ሰነድ ፕረፎርማ ካብ 26/3/2018 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይን ህንፀት ስራሕቲ ህንፃ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ክወስዱ ይክእሉ
11 ፐርፎርማ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ፐርፎርማ ካብ ዝክፈተሉ ግዜ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲ ይከዉን
12 ተወዳደርቲ ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ዝሐዘ ደኩመንት ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነዳትን አብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኦርጅናልን ኮፒን ኢልካ ኣብቲ ልዕል እቲ ኣናእሽተይ ኩሎም ፖስታታት ብማርከር ብምፅሓፍን ማህተም ብምግባርን ዳግሞ ኩሎም አብ ኣናሽተይ ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ማህተም ክዓርፎ ብምግባር ናይቲ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽምን ናይ ኮንትራክተር ሽም ኣድራሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍን ነቲ ዉድድር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አብ ህንፃ 16 ዕለት 3/4/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 4:00 ከቅርብ አለዎ እቲ ፕርፎርማ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ኣብ ሳንዱቅ ዝአተወ ፖስታ ብዘይምህላዎም ዘይክፈት ኣይህልዉን
13 ተወዳደርቲ ኣብቲ ፕርፎርማ ሰነድ ዝተትሓዙ ዝርዝር ብትክክል ዋጋ መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ፕርፎርማ ደኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ እንተይ ኣዛብዑ እቲ ደኩመንት ከምቲ ክሽየጥ ዝነበሮ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕርፎርማ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
15 ኣብዚ ፐርፎርማ ዝወዳደር ኮንትራክተር ከማለኦ ዝግባእ ባዓል ሞያ ከምዝስዕብ ይከዉን ሽም ዝርዝር በዓል ሞያ በዝሒ ሐደ ደረጃ ትምህርቲ ብስቪል ምህንድስና ብኮንስትራክሽን ማናጅመንት ብኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂን ብኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግን ተመሳሳሊን ስራሕ ልምዲ 2 ዓመት ንዲፕሎማ 0 ዓመት ንዲግሪ መብርሂ ዝቆፀር በዓል ሞያ ካብ ሕጋዊ ትካል ወይድማ ፍትሒ ተቀባልነት ዘለዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ክሳብ 30 ሚያዝያ 2018 ዓም ልዕሊኡን ከቅርብ ዝክእል
16 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፊ ከቅርቦ ዝግባእ ማሽነሪ ኢኩፕመንት ዝርዝር ማሽነሪ ኮንኩሪት ሚክሰር በዝሒ ሐደ ኮንኮሪት ቫይቪሪተር በዝሒ ሐደ መብርሂ ኮንትራክተር ናይ ባዕሉ እንተኮይና ናይ ዋንነት ዝገልፅ ወረቀት ምስክር ከተሓሓዝ አለዎ እንተዘይኮይና ድማ ክሳብ 30 ሚያዝያ 2018 ዓም ልዕሊኡን ዘገልግል ናይ ዉዕሊ ዝገበረሉ ሰነድ ናይ ባዕል ወረቀት ምስክር ከተሓሓዝ አለዎ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0923306009