የኣሕፈሮም ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 ናይ ዘመኑ ፍቃድ ዝሐደስኩም ካብ ልምዓት እቶት ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሐምለ 2017 ዓም ዘፍለጥክምሉ ዲክለር ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገበ ቲን ናምበር ቁፅሪ ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዘይምለስ ንሕድሕድ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ንሕድሕድ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድም ስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ካብ 4/13/2017 ዓም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣሕፈሮም ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ንብረትን ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን መረዳእታ ክተእተዉ አለኩም

9 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ ዘይተማለአ ሰነድ እንተእቲዉ ዉድቂ ይከዉን

10 እቲ ጨረታ 14/1/2018 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ይከዉን ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 14/1/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከዉን

11 እዚ ዋጋ እዚ ን 25 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914134672 / 0925307592