1 ሕጋዊ ናይ በቢዘርፉ ኣቀርቦት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ኣብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግበሪ ዝከፈልኩም
2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዩ /ቲን/ ካርድን ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቀረባይነት ካርድ ዘለኩምን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ዲክላሬሽን ክተቅርቡ እትክእሉ
3 ንሐደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 50 (ሓምሳ ብር) ብምኽፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ብምምላእ ካብ ዕለት 21/7/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 5/08/2008 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒን በበይኑ ብዝተዓሸ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል
4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 5/08/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይ ሃለዉ ዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገምን
5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝከዉን
- ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/
- ንፅሬት መሳርሒ ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር/
- ንሕትመት ብርÂ 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር/
- ንኮምፒተር ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/
- ንኤሌክትሪክ ኣቑሑት ብር 3500 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/
- ንጀኔሬተራት ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ Â /CPO/ ከትሕዙ አለዎም
6 ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾይኑን ተቀባልነት ኣይህልዎን
7 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኸዉን
8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ
ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344430083 ምሕታት ይካእል