ቁፅሪ ጨረታ: ማ¦ኩ/ማ/ዕ/ስ- ሰ - o/2018
ዕለት: 06/12/2018 ዓም
ማሕበር ኩለመዳይ ማእኸል ዕዳጋ ስዩም ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ጣብያ ህዳሴ ከባቢ ሚዘር 7o ካሬ ዝርከብ ስፍሓት መሬት 99o1.38 ሜ/ካ ዙርያ መለሽ ሓፁር ብቆርቆሮ ንምሕፃር (Fencing Work) ስራሕቲ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ሰብሞያ (Construction) ከስርሕ ይደሊ።
ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት ከተማልኡ ይግባእ፦
1. መዐቀኒታት/ረቋሒ ተወዳደርቲ፦
0 ናይ 2019 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፡ ሕጋዊ ቲን (TIN) ቁፅርን ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ (VAT) ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ዘቕርብ።
0 ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር (Supplier List) ዝተመዝገበን ናይ ግብሪ ግቡኡ ዝኸፈለሉ መረዳእታ (Tax Clearance) ዘቕርብ።
2. ምዕዳግ ሰነድ ጨረታ፦
0 ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 500 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ቅርሺ) ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኩለመዳይ ማእኸል ዕዳጋ ስዩም፡ ኣብ ስራሕ ሰዓት ንግሆ ካብ 2:30 ክሳብ 5፡30 ድሕሪ ሰዓት ካብ 8:30 ክሳብ 10:00 ምውሳድ ይከኣል።
3. ምእታውን ምኽፋትን ጨረታ፦
0 ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ብቴክኒክን ፋይናንሻልን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ካብ ዕለት 6/12/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 9/12/2018 ዓ/ም ናይ ንግሆ ሰዓት 3፡00 ይዕፆ።
ጨረታ ዕለት 9/12/2018 ዓ/ም ረፋድ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኩለመዳይ ማእኸል ዕዳጋ ስዩም ይኸፈት።
ማተሓሳሰቢ፦ ማሕበርና ማ/ኩ/ማ/ዕ/ስዩም ዝሓሸ መንገዲ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ፦
• ኣድራሻ፦ 17 ቀበሌ ጎኒ ግራንድ ኣዋሽ ሳሌም ጥላሁን ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ #15
• 0902793095
• ቴሌግራም፦ @seyoumcmcl, @seyoumcmc