ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማት ንምፍታሕን ነቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ ማእኸል ገይራ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ትካል እያ።በዚ መሰረት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፣ ኣብ ዓዲሓ ዓይደር ክ/ከተማ መቐለ G+4(OT 6ን 7ን ) ዲዛይን ክነስርሕ ሰለዝደለና ደረጃ 3 ልዕሊሁን ዝኾንኩም ነዞም ዝስዕቡ ረቚሓታት ተማልኡ ኣማኸርቲ ክትሳተፉ ንዕድም፡፡
1. ናይ 2018ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ናይ ግብሪ ኸፋሊ መፍለይ ቲን፣ናይ ምዝገባምስክር ወረቐት 'ናይ ኣማኻሪ ምዝገባ ፍቓድ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ከቕርብ ዝኽእል፡
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO Bank guarantee or cash) /20,000/ዒሰራ ሽሕ ብር) ከቕርብ ይግባእ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ደረጃ 3 ልዕሊሁን ዘለዎም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ሰራሕቲ ዝሰርሑ ፡
4. እቲ ሰራሕ ኣብ 1 (ሓደ) ወርሒ ሰሪሑ ክውድእ ዝኽእል።
5. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ቴክኒካል70% ፋይናንሻል 30% ተደሚሩ ዝለዓለ ዋጋ ዝረኸበ ይኸውን፡፡
6. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 29/08/2018 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ስዓት ዘይምለሰ ብር 1000.00( ሓደ ሽሕ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል፡፡
7. ተጫረቲ ሓደ ቴክኒከል ኦርጂናልን ሐደ ኮፒን ፋይናንሻልን ሲፒኦን ዶክመንት ኣብዝተፈላለየ ፖሰታ ብሽምዒብምእሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፓሰታ ኣሺጎም ብምቕራብ ሙሉእ ኣደራሻ ናይ ድርጅቶም ማህተም ብንፁር ብምግላፅ እቶም ኣብ ቑፅሪ 2 ዝተዘርዘሩ ምስክር ወረቐት ኦርጂናል ዶክመንት ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ሒዞም ክመፁ ኣለዎም፡፡
8. ተጫረቲ ዝተማለእ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 29/08/2018 ክሳብ ዕለት 07/09/2018 ካብ ሰዓት 2:30 ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ምእታው ይኽእሉ።
9. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት 07/09/2018 ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ይኽፈት
10. ተጫረቲተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ብቑዕሪ ሰልኪ +251938000111, +251938000222 ምድዋል ይካኣል።
11. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ እታ ጨራታ ብውሱን ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡