https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/982
ብቢሮ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ብመሰረት ስርዓት ዕዳጋ ምምሕዳርን ንብረት ምዉሳን ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ዓንቀፅ 73 ንኡስ ቁፅሪ 1 ዝተዉሃበ ስልጣን መሰረት ናይ ደቡባዊ ዞባ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ናይ ቀዋሚ ንብረት : ፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክትሮኒክስ : ናይ ፅሬት ኣቁሑት ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 28, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 12, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘርፊ ንግዲ ናይ ዘመኑ ዘሐደሰ ፍቃድ ቲን ናምበር ክቀርብ ዝኽእል

2 ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ዘሐደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ

3 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ

4 ካብ ጥቅምቲ ወርሒ ኣትሒዙ ቫት ዲክለር መረዳእታ ክቅርብ ዝኽእል

5 መኽበሪ ጨረታ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ብር 3000.00 ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 2000.00 ንፅሬት ኣቁሑት ብር 500.00 ንቀዋሚ ንብረት ብር 2000.00 ብCPO ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6 ናይቲ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30 ንኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ንፅሐፈት መሳርሒ ንቀዋሚ ንብረት እንትኸዉን ከምኡ ዉን ንፅሬት ኣቕሑት ብር 20 ብምኽፋል ካብ ዕለት 28/3 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ደቡባዊ ዞባ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይኸአል

7 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 12/04/2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ አብ ደቡባዊ ዞባ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ይኽፈት

8 ቤት ፅሕፈትና ዘሐሸ መማረፂ ተረኸኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳክ ምቕናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 45 መዓልቲ ይኸዉን

11 ትራንስፖርት ባዕሉ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ፍትሒ ቤት ፅሕፈትና ከምፅእ ዝኽእል

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347770215