https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/961
ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ኢያሱ በርሀ ከተማ አላማጣ ንግልጋሎት ቤት ትምህርቲ ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ናይ ቤተ ፈተነ ኬሚካላትን ኣቁሑትን፣ ናይ ቤተ ንባብ መፃሕፍቲ ፣ናይ ስፖርት ዕጥቂ ፣ናይ IT ኣቁሑት ኣጫሪቱ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ክገዝእ ስለዝደለየ እዚ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 23, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 4, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ኣላማጣ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 5, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኬሚካልን ሪኤጀንት/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  1. በቲ ዘርፊ ናይ 2007 ዓም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  3. ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዝሓዘ
  5. መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 25 ሕዳር 2008 ዓም ክሳብ 4 ታሕሳስ 2008 ዓም ኣብ ምምሕዷር ፋይናንስ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል
  7. ሳንዱቅ ጨረታ 5 ታሕሳስ 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይክፈት
  8. እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሐሸ  መማረፂ  እንተረኪቡ  እቲ ጨረታ  ብሙሉእ ይኹን  ብክፋል  ናይ  ምስራዝ  መሰሉ  ዘተሐለወ  አዩ::
  9. ዝሰዓረ ኣካል ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ኣምፂኡ ከረክብ ዝክእል

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0914169832/ 0348749017 ደዊልኩም  ምጥያቅ  ትእኽሉ