https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9437
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቐ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት ኔትወርክ ራዉተር በዝሒ 1 ፣ ላፕቶፕ ኮር ኣይ 7 በዝሒ 1 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ ስለ ዝድሊ ክትጫረቱ ትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ እስፔስፊኬሽን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 12, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 20, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ሕዳር 20, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ተመዝገብቲ ዝኮኑ፤

2 ናይ ወርሒ መስከም 2012 ቫት ዲክለር ዝተገበረሉ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ውሕስና ጨረታ 5000 ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ኣብ ባንኪ ዝተውሃበ /ዝተረጋገፀ/ ቼክ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ዶክመንት ጨረታ ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 10/03/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክመንት ክትወስዱ ትክእሉ፤

5 ዶክመንት ጨረታ ፋይናሻል ቴክኒካልን መሊእኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፤

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 10/03/2012ዓ/ም ጀሚሩ /10/ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 20/03/2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይክፈት፤

7 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረትኣብ ውሽጢ 10 /ዓሰርተ/ መዓልታተ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ፤

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-410544/46 ብፖስታ 450 ምድዋል ይከኣል፤