https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/927
ቤት ፅሕፍት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ካብ በጀት ዓመት 2008 ዓ ም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ፣ ቀለብ እንስሳን ከምኡዉን ኣብታ ወረዳ ጣብያ ማይ ሸክኒ ዝስራሕ ናይ ማይ ተንከፍ ፕሮጀክት ቼክ ዳም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደለየ ነዞም ዝስዕቡ ረቁሕታት ተማልኡ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 16, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 28, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ኣስገለ ፅምብላ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 28, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ፍዮሪን ሆልቲካልቸር/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ስራሕቲ ማይ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ  ቀለብ እንስሳን ንዝወዳደሩ ከማልእዎ ዝግባእ ረቀሒ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ  መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ ዘበን ፍቃድ  ንግዲ ዘሐደሰ

2 መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

3 ናብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ  ኮይኑ ናይ ወርሒ መስከረም 2007 ዓ∙ ም ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል

5 ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን  ከቅርብ ዝክእል

ኣብ ናይ ማይ ተንከፍ ቼክ ዳም ዝወዳደሩ ተጫረቲ ክተማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

እቲ ቅድም ኢሉ ዝተዘርዘሩ ከምዘሎ ኮይኑ

6 ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይ ተንከፍ ኮንስትራክሽን ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ

7 ብስራሕቲ ኮንስትራክሽን ማይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር ዘለዎ

8 ስረሕቲ መሰረት ዲዛይን ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

9 ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ አድላዩ መረዳእታ ናይቲ ፕሮጀክትሓደ ፖስታ  ዋና ክልተ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ብማርከር ብምፅሓፍ ንነፍስወከፍ ፖስን ሰነድን ማሕተም ፊርማን ብምዕራፍ ከቅርቡ አለዎም

10 ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ናይ ዘርኢ ኣግራብ ሃብቲ ተፈጥሮ ፣ ቀለብ እንስሳን ንነፍስወከፍ 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእልንቅብብል ቼክ ዳመ ድማ ብሲፒኦ 20,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

11 ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ  ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንሕድሕድ  ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን  ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን  ምምሕዳር  ንብረትን  ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ  ኣብቲ ከይዲ  ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ  ክገብር ዝክእል

12 እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 9 ሕዳር 2008 ክሳብ 28 ሕዳር  2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ኮይኑ  ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 28 ሕዳር  2008 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት  ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ  ወይንድማ  ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ   ኣብቲ ቤት ፅሕፈት  ብግልፂ ይክፈት

13 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 40 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታተልቲ መዓልትታት ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን  ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባጉና  ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ክቅርብ ዝክእል

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብቲ ዝቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ናይ ምንካይን መሰል ኣለዎ
15  እቲ ቤት ፅሕፈትነና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0346610255   ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።