https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9106
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ዶቡብ ንኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቑሑት ፅሬትን፣ፈርኒቸር ፣ኣቅሑ ሕትመት ፣ ኤሌክተሮኒክስ፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 19, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 4, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 4, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

1 በዚ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለኩም

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ናይ ወርሒዊ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ

3 ካብ ተወሳኺ እሴት ታክሰ ወፃኢ ፍቃድ ንግዲ ዝተመዝገብኩም ኣብ ዝምልከተኩም ምውድዳር ትኽእሉ ኢኹም።

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ተመዝገባይ ምዃንኩም ቅዳሕ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ።

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.00 (ዒስራ ቅርሺ ) ብምኽፋል ካብ 19/02/2012 ዓ/ም -04/03/2012ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምውሳድ ሰነድ ጨረታ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫረቲ ሽም ፊርማን ማህተምን ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክፍሊ ቁፅሪ 12 ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 04/03/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸሉ ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ይኽፍት ።

7 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ 3000.00( ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ)  ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

8 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም።

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ዝተስማዕምዕሉ ዕለት እንተዘይቀሪቦም ዘትሐዝዎ ናይ መኸበሪ ውዕሊ ብቅፅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኾን።

10 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ እቲ ንበረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ይገብር። ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብቲ ቤት ዕዮ ኣታዊ ይገብርዎ።

11 ካብቲ ዝተቀመጠ ዝርዝር መግለፂ ( ስፔስፊኬሽን) ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ተዋሂቡ ከቀምጥን ኣብቲ ዝርዝር መግለፂ ( ስፔስፊኬሽን) ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን ውድቂ ይኸውን።

12 በቲ ዝወፀ ዝርዝር መግለፂ መሰረት ፅሬቶም ወይድማ ደረጅኦም ዝሓለው ኣቑሑት ምዃኖም ኣረጋጊፁ ከቀምጥ ይግባእ።

13 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምውሳኽን ናይ ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ 0347-770221 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።