https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9101
ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣብ ዉሽጡ ንዝርከቡ ሴክተራት ን 2012 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስን ፣ ፈርኒቸርን ኣቅሑ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 19, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 5, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 5, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ መረጋገፂ ዘቕርብ ናይ ቫት መወዳእታ ወርሓዊ ሪፖርትን ብትካሎም ዝወፀ ኣካዉንት ናምበር ዘቅርቡን

2 ዝተዓሸገ ፖስታ ገይሮም 1 ኦጅናል ዶክመንትን 2ተ ፎቶ ኮፒን ከቅርብ ዝክእሉን ናይ ትካሎም ማህተም ዝዓረፎ ፖስታ ዘቕርቡ

3 ሰነድ ጨረታ መዐደጊ በር 50.00 ሓምሳ ቅርሺ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዕለት ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 05/03/2012 ሰዐት 8፡30 ተዓፅዩ ጨረታ ዝኽፈተሉን ድማ በቲ ዕለት 05/03/2012 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 የክፈት እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ዝከኣል ምካኑ

5 ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር

5 ቤት ፅሕፈት ነቲጨረታ ብክፋል ይኵን ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

6 ሰነድ ጨረታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃኩም ክትወስዱ ትክእሉ ምካኑኩም ንሕብር

7 ኣድራሻና ኣብ ክፍለ ከተማ ቐደማይ ወያነ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከባቢ ጀቡሩክ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 40 51 23 / 09 37 02 35 98 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል