https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9058
ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ን 2012ዓ/ም 2ይ ዙር ዕድጊት ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ፣ኤሌክትሮኒክስ፣ዓባይ ጀነሬተርን፣ ካዝና መትሓዚ ገንዘብ ፣ መሳርሒ ሕትመት ፣ ናይ ከባቢ ተፅዕኖ ፅንዓት ዘካይድ ኮንሰልታንት ፣ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 14, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኣካዳሚይ ኮንሳልታንሲይ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣መረዳእታ መቅረባይነት ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ፣ወረቀት ምስክር ተወሳኺ እሴት ታክስ፣

2 ተጫረቲ ዘይምለስ 150.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ማዘጋጃከተማ ሸራሮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 06 ካብ 13/02/2012ዓ/ም ክሳብ 28/02/2012ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ።

3 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዘፈር 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም።

4 እቲ ጨረታ 28/02/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 06 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይሃልዩም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

5 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስረሕ መዓለቲ ውዕሊ ክኣሰር ኣለዎ።

6 10% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ በሲፒኦ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ንኣፈፃፀማ ውዕሊ ከትሕዝ ኣለዎ።

7 ብቤት ዕዩ ዝተውሃበ መዐቀኒ ብፅሬትን መጠንን ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ወፃኢ ከረክቡ ዝኽእሉ።

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይ ትካል ሽምን ፌርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ።

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-500011/0933-081061 ምድዋል ይከኣል።