https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8964
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቅ አብ ዓመት 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ ብጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 8, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 21, 2012 05:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 1, 2012 09:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ብእዋኑ ዝተሐደሰ ናይ 2012 ዓም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን፣ተጫረቲ ተወሳኪ ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዘሓድሽ ናይ መቕረባይ ወረቀት ምስክር: ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(TIN) ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዋናን ኮፒን ከቅርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም::

2 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ናይ ዝጫረትሉ ጠቅላላ ዋጋ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

3 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ዞባ ምብራቕ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዓዲግራት ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ብር 20.00 ብምኽፋል ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 06/02/2012 ዓ/ም ክሳብ 21/02/2012ዓ/ም ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን::

4 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 7:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዞባ ምብራቕ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዓዲግራት ምምሕዳር ንብረትን ይኽፈት::

5 ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣሰር ዝኽእል፤

6 ተወሳኺ መረዳእታ ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ምርኣይ ይከኣል።

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መንገዲ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 4-452249 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::