https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8915
ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ቀለብ ደርሁ ምጥን ፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 6, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 20, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ክልተ ኣዉላዕሎ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 20, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኣቅርቦት ምግቢ /

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይነት ካርድ ዘለኩም፤

3 ናይ ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ዲክለሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዲክሊሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ፤

4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 05/02/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት20/02/2012 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 20/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

ብስ/ቁ 0344-430357 ምሕታት ይከአል