https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8907
ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ሕትመት : ናይ ፅሬት ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 18, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 18, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባአ

1 ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ከቅርብ ዝኽእል

2 ናይ ግብሪ ኸፋላይ ቁፅሪ (ቲን ናምበር) ተመዝጋቢ

3 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝኽእል

4 ኣብ ቤት ፅሕፈት መሳርሕ ንዝወዳደሩ ተጫረቲ ናይ ቫት ተመዝጋባይ ምዃኖምን ናይ 2012 ዓ/ም ወርሒ መስከረም ዲክለር ዝተገበረ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

5 ካብ ዕለት 04/02/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዞባ ደቡብ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ሰነድ ፖስታ ብምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማህተምን ብምዕራፍ አብ ቢሮ ቁፅሪ 38 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል

6 ካብ ዕለት 04/02/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዝወፅኣሉ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዞባ ደቡብ ፍትሒ ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ይከኣል።

7 መክበሪ ጨረታ ብር 3000ብጥረ ገንዘብ ወይም ስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

9 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 18/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝረከብሉ ይክፈት

10 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% መክበሪ ዉዕሊ ብባንኪ ወይ ገንዘብ የትሕዙ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቝፀሪ ስልኪ 0347 -77 771271/0347-771393/0914-112135 ምሕታት ይከኣል።