https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8886
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘሎዎም ንብረታት ዘገልገሉ ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን : ፅሕፈት መሳርሒ፣ኤሌክትሮኒክስ፣ ኤሌክትሪክ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላማደርያን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት ጥቅምቲ 23, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ጥቅምቲ 23, 2012 03:40 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ  ናይ 2011ዓ/ም 2012ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሃደሰ ፣ ቲን መፍለይ ቁፅሪ፣ ቫት ተመዝገቲ ምኻንኩም መረዳእታ መለለይ ካርድን ፣ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩምን ዘሀደስኩምን ክትወዳደሩ ትክእሉ ናብ ትካልና ብኣካል ብምምፃእ እቲ ንብረት ብምርኣይ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 05/02/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/02/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

1 ናይ ጨረታ መኸበሪ ናይ ማይ ትቦታት መገጣጠምን 6000 ብር ንፅሕፈት መሳርሒ 3000 ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 3000 ናይ መኪና ጎማን ካላማደርያን ብር 3000 ኤሌክትሪክ ኣቅሑ 3000 ብር ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ካዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ

2 እዚ ምልክታ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 05/02/2012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/02/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ

3 እቲ ዝተዳለወ ሳፅን ጨረታ ዕለት 23/02/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡40 ይክፈት

4 ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 14 24 15 16 /09 14 04 30 39