https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8865
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ንቤት ፅሕፈት ኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣናእሽተይ መሳርሕታት፣ጎማን ባትርን መካይን፣ መኪና ስፔር ፣ኣቅሑ ፅሬት፣ ስለዝደሊ ከብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 3, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2012 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ሐመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 ወረቀት ምስክር ከፋሊ ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ፣ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቅርቡን

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ መምርሒን ትልምን ፋይናንስን ጉጅለ ዞባ ምዕራብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 11 ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 03/02/2012ዓ/ም -17/02/2012ዓ/ም ኮይኑ እቲ ጨረታ 18/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምም/ር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 11 ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይእገድን።

5 ተጫራታይ ንነብሲ ወከፍ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ  ንመኪና መለዋወጢ 10000.00 ቅርሺ ፣ ን ፅሕፈት መሳርሒ 4000 ቅርሺ ንዝተረፉ 3000.00 ቅርሺ ንመኸበሪ ሰነድ ጨረታ ውሕስና ከቅርቡ ኣለዎም።

6 ርኽክብ ንብረት ( ኣገልግሎት ዝግበረሉ ቦታ) ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብቲ ዝተገለፀ ቤት ፅሕፈት ይኸውን።

7 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480001 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።