https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8810
ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኣርኣያ ካሕሱ ናይ 2012 ዓ/ም 1ይ ዙር ዕድጊት ንምፍፃም ምድብ 1- ፅሕፈት መሳርሒ ፤ምድብ 2- መሳርሒ ፅሬትን መለዋወጢ ኣቅሑት ማይን መብራህትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 28, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 17, 2012 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2011/ዓ/ም ግበሪ ዝኸፈሉን ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርቡ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ TIN ዘለዎምን VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑን ወርሓዊ ዲክሌሬሽን ክሳብ ናይ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበርሉ ማስረጃ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም፤

3 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ፅሕፈት መሳርሒ  3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር / መሳርሒ ፅሬትን መለዋወጢ ኣቅሑት ማይን መብራህትን  1000 ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረታት ብናይ ባዕልና መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ተረኪብና፤ሎት ሓደ ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ ናብ ኮሌጅና ነጋዕዝ፤

5 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ መሊኦም ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዶክመንት ዘቕርቡ:

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ሎት 1 -ካብ ዕለት 26/01/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/02/2012ዓ/ም ሰነድ ዝውሰደሉ እዋን ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኮሌጅ ጥዕና አርኣያ ካሕሱ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምሕደዳር ንብረትን ዘይመለስ 40.00 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 5:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

8 ሰነድ ጨረታ ተነፂሩ ንዝወሃብ መምርሒ ተጫረቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግበራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ፤

9 አብቲ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 20 % ምዉሳክን ምቅናስ ከም ዝህሉ ዝተረደአ

10 ምክፋት ጨረታ ሕጋዊ ነጋዶ ወይ ወኪላቶም ብዘይምቅራቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ዘይተኣጓጎል ምካኑ፤

11 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-752538 ወይም 0914-774437 / 0914-189509 ምሕታት ይካኣል፤