https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8769
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዘገልገሉ ንብረታት ብጭረታ መልክዕ ክትሸይጥ ስለ እትደሊ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ንሕድሕድ ንብረት እትገዝእሉ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ ገይርኩም እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2012ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘለዉ ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ቢሮ ቁፅሪ 304 ከተቕርቡ ንዕድም ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማረት መቀለ ምካኑ እናገለፅና እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምካኑ ንግልፅ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 26, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 15, 2012 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 18, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ሕድሕድ ተጫረቲ ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክልል ቤት ፅሕፈት ማረት ቢሮ ቁፅሪ 304 ክወስድ ይክእል

2 ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ብር 10000.00 በስፒኦ መልክዕ ከትሕዙ ከምዝግባእ ንገልፅ

3 ጨረታ ዝሰዓረ ተጫረቲ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ጠቐሊሉ እንተዘይኣልዒሉ ዘትሖዞ ስፒኦ ኣታዊ ኮይኑ ጨረታ ካም ዝስረዝ ነፍል

ንዝበለፀ ሓበሬታ  03 44 40 63 00