https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8726
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴከተራት ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኢ/ማተሪያልን ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ፣ ዉፅኢት ማዕድንን ፣ ብሎኬት ብ ሾፒንግ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 3, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:8000
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 3, 2012 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

1 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኾኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ  2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 መኸበሪ ጨረታ  ንኢ ማተርያል 8000 ፣ ንፅሕፈት መሳርሒ 3000 ፣ ንኤሌክትሮኒክስ 2000 ፣ ን ዉፅኢት ማዕድን 10000፣ ንብሎኬት 2000 ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኾይኑ ከትሕዝ ኣለዎ።

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሰዓራይ ምዃኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ መረዳእታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ማህተሞምን ከዕርፉ ይግባእ።

7 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርበዎ ሰነድ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

8 ጨረታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ከይሳተፉ ይገብር።

9 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ከምኡውን ዝተማልአ መረዳእታ ይኽፈት።

10 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ምኽፋቱ ኣብ ጨረታ ምስታፍ ኣይከኣልን። ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን።

11 ተጫረቲ ዘቀረበዎ ዋናን ቅዳሕን ንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ክፃሓፍ ኣለዎ።

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

13 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

14 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 22/1/2012ዓ/ም ክሳብ 03/02/2012ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 03/2/2012 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

15  እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0343-400033 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።