https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/869
ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2008 በጀት ዓመት ንከተማ ዓዲግራት ኣብያተ ፅሕፈት ዝዉዕል ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ፡ ፈርኒቸር ፡ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ወይድማ ኣቁሑት ሶድየም ላምፕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕደጋ ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 2, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 16, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 16, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

ስለዚ ነዚ ዝወፀ ጨረታ ንክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ኣብ ዘርፊ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ፣ መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ፣  ወርሓዊ ቫት ሪፖርት  ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ  ፣መቅረባይነት  ሰርትፍኬት  ማለት ዉን ምስክር ወረቀት  2008 ዓም ዘማላእኩም ሕጋዉያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ  50 ቅርሺ ናከፈልኩም እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ማለት እዉን  ዕለት 30 ጥቅምቲ  2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 16 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 6 ፡00 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲ ግራት ክፍሊ ቁፅሪ 6 ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ንዕድም

እቲ ጨረታ 16 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲ ግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉ ይክፈት

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344450607 0344450282 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል