https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8676
ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ጎማን ባትርን፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት፣ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 20, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 5, 2012 04:02 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይዚ ዘመን 2012ዓ/ም በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፣

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ነሓሰ  2011 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 20/01/2012ዓ/ም ክሳብ 05/02/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ መኪና ጎማን ባትርን 5000 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ፣ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት5000 ቅርሺ፣ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ፤

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤