https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/864
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ አቑሑ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 1, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 16, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን:
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ምህንድስና ኣቁሑት/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/

ምድብ 1 ናይ ላብራቶሪ/ ምርምር መሳርሒ ኣቑሑት

ምድብ 2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት

ምድብ 3 ላፕቶፕ ኮምፒዩተር : ቪድዩ ካሜራ

ምድብ 4 ጄነሬተር

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንምድብ 1 ብር 15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ንካልኦት ምድባት ነንሕድሕዶመ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም  CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ መስከረም 2008 ዓ/ም  ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቅርብ ዘለዎ እንትኸዉ ንዋንኡ ኦርጀናልን ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት :  CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጀናል ዶክመንተ ክተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ  50  /ሐምሳ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከም ኡዉ ንተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪ  03 44 40 28 01  ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 1/03 /2008 ዓ/ም  እስካብ  16 /03/ 2008 ዓ/ም  ኾይኑ ዕለት 16/03 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00  ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 16/ 03 /2008 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ  ቑፅሪ  09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::