https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8595
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንአገልግሎት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈላላዩ ቐወምትን ሃለቅትን መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናዉቲ ፅሬት ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ኤሌክተሮኒክስን፣ ኣቅሑት ኮንስትራክሽን ህንፃ፣ ናዉቲ ኣዉተሞቲቨን መለዋወጢ ኣቅሑን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 14, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 4, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን በቢዘፈር ንግዲ ናይ 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ግብሪ ዝኸፈሉን መለለይ ቁፅሪ ተመዝጋቢነት ዘለዎም፤

2 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናኸፈሉ ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል።

3 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 5000.00  ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርብ ዝኽእል

5  ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገፅ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣታዊ ይግበር። ሰነድ ጨረታ ካብ 14/01/2012ዓ/ም ክሳብ 04/01/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ምእታዉ ይካኣል 04/01/2012 ሰዓት 3፡30 ይክፈት

7 ተጫራታይ ካብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓትን እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

8 እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ን15 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ይኸውን።

9 እቲ ጨረታ ሰዓርቲ ምዃንኩም ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 3 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ቅሬታ ምቅራብ ይከኣል።

10 ኣብ ተኸታተልቲ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ጠቅሊሎም ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

11 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0347-753134 ምሕታት ይከኣል።