https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8561
ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ኤሌክትሮኒክስን ፣ስፔር ፓርትን፣ ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 13, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም፤

2 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ ወርሒመስከረም 2012 ዲከለር ዝገበርኩም

3 ብመቅረባይነት ዝተመዝገብኩምን ዘሐደስኩምን

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (ቲን) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ክተቅረቡ እትኽእሉ፤

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 12/12012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/01/2012 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲና ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102 ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

6 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 23/01/2012ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ንምኸፋት አይተዓናቀፍን።

8 ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።