https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8540
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ወጅራት ኣብ በጀት 2012ዓም ና ዝተፈላለያ ኣብያተ ኣቁሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቁሑት ቢሮን ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መካይንን ዝዉዕል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 10, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 22, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ሕንጣሎ ዋጅራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 20, 2012 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩምን

2 ናይ 2012 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐስኩም

3 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም : ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ወረሓዊ ዲክለሬሽን ክተቅረቡ እትክእሉ

5 ኩሉ ፋይናንሻል ጨረታ ቅደሕን ዋናን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቀርብ ዝክእል

6 ተጫረታ ንመክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋጊፁ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ድሕሪ ቅሬታ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃለዉ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

9 ሰነድጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ቢሮ ቁፅሪ 12 ከምእዉን 50 ቅርሺብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዝርዝር ዝሐዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ኬዝ ቲም ዕደጋ ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ

11 ኣብ ሕድሕድ ዋጋ ዝተሐተ ዋጋ ዝመልአ ሰዓሪ ይከዉን

12 ብተወሳኪ ኣብዚ ዘይተካተቱ መምርሒታት ብመምርሒ ስርዓት ዕድጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕሉ ግዘ 60 መዓልቲ ክፀንሕ ከም ዝክእል ክንገልፅ ንፈቱ

13 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 05/1/2012 ክሳብ 22/1/2012 ዓም ምዉሳድ ትክእሉ

14 ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 22/1/2012 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካብም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ አማራፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪሓበሬታብስልኪቁፅሪ 03 44 37 02 46/09 46 88 23 54 ደዊልኩም ምሕታትትክእሉ