https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8534
ንኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ናይ መኪና ጎማን ባትርን፣ ናይ ካሜራ ባትሪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 10, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:8000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቲን ናምበር ዘቕርብ ፣

3 ቫት ዝተመዝገብኩም ናይ 2011 ዓ/ም ናይ ወርሒ ሓምል ቫት ዲክለር ዝገበርኩምን

4 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መግለፂ ስፔሲፊኬሽን መሰረት ዋጋ መሊኦም ከቕርቡ ኣለዎም

5 መቕረብቲ ካብ ዕለት 08/1/2012 ዓ/ም ክሳብ 22/1/2012ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ብር 50.00 ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

6 ተወዳደርቲ መኸበሪ ጨረታ ብር 8000.00 ብሲፒኦ ብጥረ ገንዘብ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸኽ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም

7 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 23/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ጨረታ በሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ኣድራሻና ኤጄንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 105 ከየዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ሰዓት ደዊልካ ምሕታት ይካኣል