https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8508
ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ንማእኸሉ ግልጋሎት ዝውዕሉ ንብረታት ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት፣ ናይ ምርምር ኣቑሑት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ብግልጺ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ንዝተገለፁ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 9, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 22, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 22, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/

1 በቲ ዘርፊ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ

2 ቫት፣ ቲን ናምበር ዘለዎ

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ዝተሰርሐ ናይ ምርምር መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት፣ ናይ ምርምር ኣቑሑት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ሕድሕድ 3000.00( ሰለስተ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 07/01/2012ዓ/ም ጀሚሩ - 22/01/2012 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት አብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል።

5 እቲ ጨረታ ሳንዱቕ ዕለት 22/01/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማአኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ኣብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ 1ይ ደብሪ ይኽፍት።

6 ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ ኣለዎ።

7 ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል (ዋንኡን) ኮፒን ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምግባር ዋናኡን ኮፒን ብመፍለይ ፅሑፍ ከቕርቡ ኣለዎ።

8 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ውዕሊ መኽበሪ 10% ከትሕዝ ኣለዎ።

9 እቲ ቢሮ በዝሒ ንብረት 20% ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ።

10 ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምሳረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-740546