https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8502
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሃገረ ሰላም ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረታት ሰርቪስ መኪና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ክካረን ይደሊ ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ሎት 2 ናይ ኮንስትራክሽን ኣቁሑ 3 ንሰራሕተኛታት ሰርቪስ ትህብ መኪና 24 ሰብ እትሕዝ ደረጃ 2ን1ን
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 8, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክተቅርቡ ትክእሉ

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት ከትቀርቡ ትክእሉ፤

4 ናይ ቫት ሰርቴፊኬትን ክተቅርቡ ትክእሉ፤

5 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን ክተቅረቡ ትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተከይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ትካልና ክተቅርቡ ትክእሉ፤

7 ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክከውን ኣለዎ፡፡ ተዘይኮይኑ ምስ ቫቱ ከምዝትመልአ ይሕሰብ፡፡

8 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ፡፡

9 ተጫረቲ ዘይመለስ 30.00 እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ሃ/ሰላም ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ካብ 08/01/2012 ዓ/ም ዓም ክሳብ 22/01/2012ዓ/ም እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ፤

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኪና 5000 CPO ብጥረ ገንዝብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ካልእ ከተትሕዙ ትክእሉ፤

11 እቲ ጨረታ ዕለት 23/01/2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4:30 ኣብ ሃሰላም ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

12 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ስራሕ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን ወይም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን ፤

13 ትካልና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

14 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብኣካል ኣብ ሃሰላም ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ ብስልኪ ቁፅሪ 0926-046343 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኩም፡፡