https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8480
ትግራይ ኩሉ መዳይ ዕደጋ ፌዴሬሽን ሓ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ብክልል ካብ መተሃራ : ኣዳማ : ከሰም : ወንጂ ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ አወዳዲሩስካር ክጎዓዕዝ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተቀመጡ ረቆሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 7, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ናይ ደረቅ ፅዕነት ትራንስፖርት ናይ 2011/2012 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 ናይ ተሽከርከርቲ ብቅዓት መረጋገፂ ዝተሐደሰ ናይ 2011/2012 ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ብር 5000 ብስፒኦ  / ሰርቲፋይድ ቼክ / ከትሕዝ ዝክእል

4 ናይ ዝሰዓሮ መጠን ስካር ካብ ዝተፈለጠ ንሕጋዊ እዉቅና ዘለዎ ኢንሹራንስ ናይ መድሕን ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል

5 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 06/1/2012 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/01/2012 ዓም ካብ ዋና ቢሮ ከተማ መቐለ ብር 100 እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ካብ ፋይናንስ ክፍሊ ክወስድ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ምስ እዚዩ ሰነድ ተታሒዙ ዝቀርብ ቅጥዒ መሰረት ዋጋ መሊኦም ኣብ ተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ

7 እዚ ጨረታ ዕለት 19/1/2012 ዓምልክዕ ሰዓት 9:00 ቅትሪ ተዓፅዩ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ በዚኝለት  ልክዕ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቢሮ ይክፈት

8 ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ብተከታታሊ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር ይኩን እምበር ኣብ እዋን ዉዕሊ እነተዘይ ኣሲሩ ዘትሓዞ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቢንድ አታዊ ኮይኑ ጨረታ ይስረዝ

9 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344 41 99 13 /   034441 08 30 ይደዉሉ