https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8476
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲጉዶም ኣብ 2012 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ኣቁሐት ኣዉቶቮቲቭን ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 7, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 21, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 21, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2011/12  ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩም፤

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም፤

5 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2011 ዓ/ም ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም : ፊርማ : ማሕተም ብምግባር ከቅርብ ዝክእል፤

7 መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ዝተረፉ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ናይ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘቅርብለኩም መረዳእታ ክተቅረቡ ትክእሉ፤

9 ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20% ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን፤

11 ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ፤

12 ሰነድ ጨረታ ን 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ሰነድ ጨረታ ምልክታ ካብ 02/1/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቁፀሪ 8 ኬዝ ቲም ምዉሳድ ትክእሉ፤

13 ብተወሳኪ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን።

14 ሰዓራይ ኣካል ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ንብረት ክፍሊ ከረክብ አለዎ እቲ ንበረት ብበዓል ኮያ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይከውን፡ እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝፍለጠ 40 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ።

15 ሳንዱቅ ጨረታ 21/01/2012 ዓም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዛይ ምርከቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን።

16 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ኣብናይ መንግስቲ እግድ ዘይብሎም ይከዉን።

17 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-370592 /0914-024310 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።