https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/846
ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገዲን ትራንስፖርትን ከይዲ ሰራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስራክሽንን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ቀበሌ 06 ካብ እነዳ ጋሪ ናብ ኬላ ኣስፋልት መንገዲ ዓድዋን ኣብ ቀበሌ 04 ካብ እንዳ ወዲ ቀፀላ ናብ እንዳ ሰዩም ማህሉ ኣብ ማእከል መንገዲ ዝርጋሐ መብራህቲ ንምስራሕ ኣብ ክልል ትግራይ ትርከቡ ደረጃ 8 ኤለክትሮ መካኒካል ብርኪ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 25, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 15, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

ስለዚ ሕጋዊ ናይ ተጫረቲ ግቡእ ዘማልኩም ናይ 2008 ዓመ በጀት ዓመት ፍቃድ ዘሐደስኩም ዘይምልስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምልክታ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ 24 ጥቅምቲ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 11 ፡30 ሙሉእ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስራክሽንን ከተማ ዓዲግራት ቁፅሪ ቤት ዕዮ 3 ብምዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም

ጨረታ 15 ሕዳር 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሽዑ ሰዓት 4 ፡00 ቀድሚ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ማእከል ከተማ ዓዲግራት ይከዉን

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0344450940 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል